ሓደ ኣሎ ኣብ ዓድና
"ድኻ" ዝ'ስሙ፣
ድኻ እንተኾረየ'ስ
መሕበጥ ከንፈሩ!
...
ብሳላኽን ብሰንክኽን
ኣብ ምንባር ዘይምህላዉ
ኣብ ዘይምህላዉ ከኣ ምንባር
ክኢለዮ!
...
ኣብ ምብጻሕ ገዛኻ!
ኣዕንቲ ኣቦኻ
ዝጽሮሮ እኩብ ንብዓት እኳ እንተመሰለ'
ግዳ ኣብቲ ንብዓት 'ሲ ገለ ነገር ርእየ
...
"ናይ ቄሳር ንቄሳር! "
ፍልመ ኩሉ ሰብ ምዃን
ምኽኣል፣
ደሓር ተርክበሉ ካልእ ምዃን
...
ሳላ'ተን ምቁራት ቃላት
ትማል ለይቲ…
ሳላ'ተን ምቁራት ቃላት
እክብ ምስ በላ ቀለማት…
...
ከይደ'ለኹ-ከይበልክኒ!
ኣንፈትን መገድን ክልተ ሓደ
ውሽጥን ግዳምን ምስ ተዛመደ
ሓሳብን ቀልብን ምስ ተወሃሃደ
...