እዝክሮ ‘ ለኹ!
ድሕሪ'ቲ ኩሉ
ንይምሰል ዝሕለመኒ…
ነገር ፍቕሪ፣
ኣብ ትጽቢት ዘቐኒ
ኣብ ትምኒት ዘዕነኒ
ወስታ እንተረኣኹ ንዓይ ዝመስለኒ፤
ኣብ በየነይ ኮይነ እዝክሮ'ለኹ፣
ዝኽሪ ክልተ ምስ ጾሮ ሓደ
ማእገር ዝሰብር
ሓቦ ዝቐብር፤
ኣብዛ በየነይ ለይቲ… ሕስብ አብለኪ'ሞ
እንታይ ከ ክገብር?
ዝኽሪ ተመጊበ እንተ ጽጊበ'ስ
እስኹልሎ ኣለኹ…
ሽፋ እገብረልካ በልኒ
ሽፋ ክገብረልኪ ንዓኺ!
ስዒድ ሳልሕ
14-05-2011
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem