Emo Ke'A Ni Mot? ! Poem by Seid Saleh

Emo Ke'A Ni Mot? !

እሞ ኸኣ ንሞት!
እናረኣኹ እናሰማዕኩ
እሞ ኸኣ ንሞት? !
እናሓሰብኩ እናዛመድኩ
እሞ ኸኣ ንሞት? ! ንሕልፈት ንቕብጸት? ?
ኣይደነላን'የ፣ ኣይሰግደላን፣ ኣይፍገምን'የ'ታ! '
ብዝኽእሎ እገጥም፣
ብድሎ ብቓጻ
ብሕልኮ ብወስታ፣ እጠማጠም'ምበር…
ንሞት! እሞ ኸኣ ንሕልፈት
ክብሪ ብዘይ ክብረት
ኣይሰግደላን፣ ኣይፍገምን፣ ኣይምብርከኽን'የ'ታ!
ክነብር'የ ክቃለሰ
ንህይወትን ምሉእነታን
ምስ ክብርን ክብረታን
እምበር ንሞት…ንሕልፈት…ንቕብጸት
ኣይደነላን'የ ዘንተ እለት!
29/07/2011

POET'S NOTES ABOUT THE POEM
never give up!
COMMENTS OF THE POEM
READ THIS POEM IN OTHER LANGUAGES
Seid Saleh

Seid Saleh

Asmara, Eritrea
Close
Error Success