ፕሮሰስ
ዓንዲ ማእከል ኰይነ
ክውጥጥ ብኽልተ
ብሕሉፍ ከስሓብ
ሃፍ እናበልኩ ንድሕሪት
ንመጻኢ ክእምት
ዘሊለ ክኸይድ
ኣይካብዚ ኣይካብቲ
ህሉወይ እናተበትከ
እንብሮ'ሉኹ ህይወት
ኣብ ትጽቢት ክጽበ -
ፕሮሰሰይ እንተኣኸለ!
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem