መንጎ መንጎ!
ኣብ መንጎ ክልተ ሕልሚ
መንጎ ክልተ ባህጊ
በቲ ሓደ ጸግዒ
መንጎ ክልተ ጋህዲ
ክልቲኡ ዝሕረ…
መስከኒ ንልቢ
ናበይ ከም ዘብል እንተ ተሓትትኩ
ክልተ ሓቂ ዝመላለስኒ
ከምዚ እናበልኩ…ከመይ'ለ እቕኒ
መንጎ መንጎ ምህላወይ…
መን'ከ የብርየኒ
እንድዒ!
እንድዕለይ…
ምስቲ ፍቕሪ ዝኽፈአ ሓቂ
ኣብቲ ሓቂ ኸኣ ዝበኣሰ ፍቕሪ
ሓኒቁ ፈንጠር እናበልኒ
እንድዒ ….
መዓስ ከምዝጽዒ?
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem